ቀንዲ ጉጅለ ዲያስፖራ ሓይሊ ትምክሕቲ ምዃኑ ዝፍለጥ ” ቪዥን ኢትዮጵያ” ንውሳነ ኣብዪ ኣሕመድ ዝቃወም መግለፂ ምውፅኡ ተሓቢሩ።

ዋሺንግተን ዲሲ: 01 ጥሪ 2014 ዓ/ም (TMH)

ፋሽሽታዊ መራሒ አብዪ ኣሕመድ ኣብዚ ቅንያት ብፅዕንቶ ደጋውያን ሓይልታት ተገዲዱ ኣብ ልዕሊ እሱራት ዝወስዶ ዘሎ መደናገሪ ናይ ምፍታሕ ስጉምቲ “በዓል እስክንድር ነጋ ዘለውዎ ናይ ሓይሊ ትምክሕትን ተስፋሕፋሕትን” ኣባላት ካብ እሱር ምልቃቖም ብምድጋፍ፡ ንፖለቲካዊ እሱራት ኦሮሞን ትግራይን ምፍትሑ ከም ዘቖጠዖም ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣብዪ ኣሕመድ እቲ ኲናት ጠጠው ከብሎ ድሌት ከምዘይብሎምን እኳድኣስ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ከም ዝግባእ ዝሓበሩ እዞም ኣሜሪካ ዝመደብሮም ጉጅለ ትምክሕቲ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩን ኦሮሞን ዝውሰን ዘሎ እሱራት ናይ ምፍታሕ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራን ሓድነት ኢትዮጵያ ዘነፃፀረ ሓደጋ እዩ ክብሉ ገሊፆምዎ ኣለዉ።

“ቪዥን ኢትዮጵትያ” ብምሁራት ኣምሓሩ ዝውነና ቀንዲ መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ ጄኖሳይድን ፅንፈኝነትን ናይ ዝሰብካ ሚድያታት ውሽጢ ዓድን ወፃእን ኮይኑ፡ ንበዓል ኢዜማን ጉንበት ሸውዓተን ዝበሃሉ ፅንፈኛታት ኣሸበርቲ ዝሕግዝ ኣንፃር ኦሮሞን ተጋሩን ዝነጥፍ ውዳበ ምዃኑ ዝሓበረ ድማ ተንታኒ ፖለቲካ ዶር. ብርሃነመስቀል ኣበበ ሰኚ እዩ።

ፋሺስት ኣብዪ ኣሕመድ በቲ ዝጀመሮ እሱራት ናይ ምስንባትን ሰላማዊ ዘተ ነይ ምስላጥን ውሳነ ተስፋ ዝቖረፁ ተስፋሕፋሕትን ትምክሕተኛታትን ኣምሓራ ጨጉሮም ክሻብ ዝነፅዩ ኣብ ዕብዳንን ራዕድን ዝኣተዉ ኮይኖም፡ ኮይኑ ግና እቲ መርገፂኡ ዘይፍለጥ መታለሊ ስርዐት ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብሚድያታት ብዛዕባ ዕርቂ እናሰበኸ ኣብ መሬት ግና እቲ ዝጀመሮ ተግባራት ጄኖሳይድ ኣጠናኺሩ ይቕፅል ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Share This