ፋሺስታዊ ስርዓት ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ የካይዶ ኣብ ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ድሮን ኣብ ዝሓለፉ 10 መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 300 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሞቱ ተሓቢሩ።

ኣብዪ ኣሕመድን መሻርኽቱን ናይ ሰላም ድሌት ዘይብሎምን፣ እቲ ኣረመናዊ ተግባራቶም ኣጠናኺሮም ምቕፃሎምን ስዒቡ፡ ህዝቢ ትግራይ መኸትኡ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ተባሂሉ።

ዋሺንግተን ዲሲ: 04 ጥሪ 2014 ዓ/ም (TMH)

ንዝሓለፉ ዓሰርተ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ነቶም ኣብ ልዕሊኡ ጄኖሳይድ ይፍጽሙ ዘለዉ ፋሽሽታያን ኣብ ምምካት ዓለም ዘስደምም ሓድሽ ታሪኽ ኣብ ምምዝጋብ ይርከብ።

ልዕሊ ሸሞንተ ሃገራት ብቐጥታዊ ወታድውራዊ ተሳትፎን፡ ዕጥቅን ስንቅን ብምቕባልን ኣብ ልዕሊ ህዝብን ንብረትን ትግራይ ከቢድ ዕንወት ይፍፅሙ እንተሃለዉ እውን፡ ህዝቢ ትግራይ ግና፣ እምቢ ንመግዛእትን ንወረርትን ብምባል ዘስደምሙ ፍፃመታት እንዳፈፀመን ፀላእቱ ዶዃዕኳዕ እናበለን ካብ መብዛሕቲኡ መሬት ትግራይ ካብ ምፅራግ ክሻብ ገማግም ኣዲስ ኣበባ ብምብፃሕ፣ ወንበር ፋሽሽታውያን ኣነቓኒቑ ከቢድ ስግኣት ምፍጣሩ ዝዝከር እዩ።

ኮይኑ እውን ንሰላማዊ ኣማራፂ ዕድል ንምኽፋት ምስ ሙሉእ ቁመንኡ ናብ መረበቱ ምውፁ ስዒቡ፡ ዓለም ብኣድናቖት ብምርኣይ እቲ ፋሽሽታዊ መንግስቲ እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብምውሳድ ንሰላም ቅሩብ ክኸውን ኣንተተሃተተ እውን፡ ብኣፍፉ እሺ እናበለ ኣብ ተግባር ግና እቲ ዓንቃፋይ ኣካይድኡ ኣጠናኺሩ እንዳቐፀለ ምህላው ይፍለጥ።

ፋሽሽታዊ ስርዓት ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፉ 10 መዓልታት ጥራይ ኣብ ትግራይ ብዝፈፀሞም መጥቃዕትታት ድሮን ልዕሊ 300 ሰላማውያን ሰባት ምሟቶምን ብኣማኢቲ ዝቑፀሩ ምቑሳሎምን ተሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ካብ ዓዲረመጽ ክሻብ እንባዳጉና፡ ካብ ደደቢት ክሻብ ሽረ፡ ካብ ዓዲ ኣውዓላ ክሻብ ከባቢታት ኣኽሱምን ሓዊሱ፡ መቐለ ዘማእኸለ ድማ ካብ ኣፅቢ ክሻብ ሒዋነ ዘካለለ ኮይኑ፡ ቀንዲ ዒላማታት ዝገበሮም ድማ ሰላማዊ ህዝቢ ብበዝሒ ዝርከበሎም መዕቆቢ ተፈናቐልትን ስደተታትን፣ ቤተ ክርስትያን፣ ማእኸል ከተማን ህዝባዊ ትካላትን ሓዊሱ ኣብ ህዝባዊ መጉዓዝያ ብምዕላም ኣብቶም ዝሓለፉ ውሑዳት መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 300 ሰባት ምሟቶምን ባማኢቲድማ ምቑሳሎምን ትግራይ ኣፕዴት ፀብጺቡ ኣሎ።

ቅድም ኢሉ እውን መቐለ ሓዊሱ ኣብ ኣላማጣ፣ ኮሮም፣ጨርጨር፡ መኾኒ፣ ማይጨውን ካልኦት ከተማታትን ትግራይ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ድሮንን ነፈርትን ብምክያድ እቲ ጄኖሳይድ ኣጠናኺሩ ኣብ ምቕጻል ዘሎ ኮይኑ፣ ብኣውርኡ ድማ መላእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዕፅዋ ዳጒኑ ብጥሜትን ስእነት መድሓኒትን በብመዓልቱ ህዝቢ ይሃልቕ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ዘርኢ ምፅናት/ ጄኖሳይድ ምዃኑ ብውሳነ ዘፅደቐ ኮይኑ፡ ነቶም ብምኽንያት ደብዳባት ድሮንን ነፈርትን ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰላማውያን ተጋሩ ንምዝካር እውን ካብ ፅባሕ 5 ጥሪ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ መዓልቲ ሓዘን ምእዋጁ ተፈሊጡ ኣሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Share This