ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተሳለጠ መበል 6ይ ዘመን 2ይ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ፣ እቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ኣብ ዝሓለፉ 14 ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ምፅናት ህዝብን፡ ዕንወትን ጉሕለት ንብረትን ዝምልከት መበገሲ ዳህሳስ ከም ዝቐረበ ተሓቢሩ።

ዋሺንግተን ዲሲ: 04 ጥሪ 2014 ዓ/ም (TMH)

ብምኽንያት እቲ ዝቐፀለ ኲናት ኣብ ትግራይ ልዕሊ 6.3 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ከቢድ ዓፀቦ ጥሜት ከም ዝርከብ መንግስቲ ትግራይ ዘፍለጠ ኮይኑ፡ እቲ ወራር ካብ ዝጅምር ክሻብ ሐዚ ኣብቶም ካብ ፀላኢ ነጻ ዝኾኑ ከባቢታት ኣብ ዝተኻየደ ዳህሳስ 4,755 ተሽከርከርቲ ዕንወትን ጉሕለትን ከም ዝተፈፀመን እዚ ናብ ገንዘብ እንትግበጥ 17.4 ቢልየን ቅርሺ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።

እቶም ትግራይ ናብ ቅድሚ 50 ዓመታት ናይ ምምላስ ጭርሖ ሒዞም ንትግራይ ዝወረሩዋ ሓይልታት ውሽጢ ዓድን ወፃእን፣ ኣብ ህይወትን ንብረትን ትግራይ ማእለያ ዘይብሉን፡ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ዕንወት ዝፈፀሙን ዝፍፅሙ ዘለዉን ኮይኖም፡ ኣብቶም ካብ ፀላኢ ነፃ ዘለዉ ከባቢታት ትግራይ መጠን ዝበፅሐ ዕንወትን ህልቂትን ንምፍላጥ ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ቀሪቦም እዮም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ማሕበራዊ ትካላት ኣብ ዝተኻየደ ዳህሳስ 90% ትካላት ጥዕና ጠቕላላ ናውተን ተጓሒሉን ዓንዩን ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ምዃነን ዝተሓበረ ኮይኑ፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ 2050 ኣብያተ ትምህርቲ ዕንወትን ጉሕለትን ምብፅሑ ስዒቡ 93% ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ምዃነን ዕላዊ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብቲ ክሻብ ሎሚ ዝተኻየደ ዳህሳስ ኣብ ኮንስትራክሽን መንገድን መጉዓዝያን ልዕሊ 4700 ተሽከርከርቲ ዝተወረራን ዝዓነዋን ኮይነን፡ እዚ ናብ ገንዘብ እንትግበጥ ድማ 17.4 ቢልየን ከም ዝግመት እውን ተሓቢሩ ኣሎ።

መሰረተ ልምዓታት ትግራይ ንምብራስ ኮነ ኢሎም ዝተልዓሉ ፋሽሽታውያን ሓይልታት፣ ማእለያ ዘይብለን ታንክታቶም ኣብ ፅርግያታት ትግራይ ከቢድ ዕንወት ዝፈፀማ ኮይነን፣ ክሻብ ሐዚ ብዝተኻየደ መፅናዕቲ ናይ ከባቢ 37 ቢልየን ቅርሺ ዕንወት ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ብሓፈሻ ኣብ ኮንስታክሽንን መጉዓዝያን ልዕሊ 61 ቢልየን ቅርሺ ዝግመት ዕንወት ምብፅሑ ተሓቢሩ።

ብወገን ማይን ሞስኖን 3.5 ሚልዮን ህዝቢ ተረባሒ ዝኾነሉም መሰረተ ልምዓታት ዝዓነዉ ኮንቶም፡ ግምቶም 21 ቢልዮን ቅርሺ ከም ዝበፅሕ ዝተሓበረ ኣንትኾን ኣብ ሓድግታት ኦርቶዶክስ፣ ሙስሊምን ካቶሊክን ሓዊሱ ኣብ መንግስታዊ ሙዝየማትን ማእኸላት ኣርኪዮሎጅን ትግራይ ኣብ ዝተገበረ መፅናዕቲ 232 ሓድግታት ዕንወትን ጉሕለትን ከም ዝበፅሖም መንግስቲ ግራይ ሓቡሩ ኣሎ።

ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ኩለመዳይ ዕንወታትን ጉሕለትን ንምፍላጥ ጉጅለ መፅናዕቲ ተጣይሹ ኣብ ምንቅስቓስ ከም ዘሎ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሰዓት ፀላእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይገብርዎ ብዘሎው ወፍሪ ምፅናት ፡ ልዕሊ 6. 3 ሚልየን ህዝቢ ኣብ ከቢድ ዓፀቦን ጥምየትን ከም ዝርከብ ዕላዊ ኮይኑ ኣሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Share This