ፕሮጀክት ሰብኣዊ ሓገዝ ሓደ ዲያስፖራ ንሓደ ስድራ ንገለ ኣባላት ስድራ ፀገሞም ከምዘቃለሎም ተገሊፁ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብሰንኪ ልፍንታውያን ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ህዝብና ዝበፅሐ ማሕበረ-ቑጠባዊ ፀገማት ንምእላይ ዘኽእል “ፕሮጀክት ሰብኣዊ ሓገዝ ሓደ ዲያስፖራ ንሓደ ስድራ” ንብርክት ዝበለ ህዝቢ ተረባሒ ምግባር ከምዝተኽኣለ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣፍሊጣ።

ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ኮምዩኒኬሽንን ርክብ ህዝብን እታ ማሕበር ኣይተ ሙሉጌታ በላይ ከዝሓበሮ እቲ ፕሮጀክት ካብ ዝጅምር ንነዘ 3ሽሕን 189 ተገልገልቲ ዝተልኣኸሎም ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝወሰዱ ሓቢሩ።

ካብ መቐለ ወፃኢ ንዘለዉ ኣባላት ስድራን ካልኦትን ክትሕግዙ እትደልዩ ዲያስፖራ ወገናትና ድማ ሙሉእ ሓበሬታ ኣድራሻ እቲ ተሓጋዛይ ብትኽክል ብምምላእ እንተሊኢኾም ብመሰረት እቲ ኣድራሻ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ክተብፅሕ ከምትኽእል እውን እቲ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ወሲኹ ገሊፁ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ “ፕሮጀክት ሰብኣዊ ሓገዝ ሓደ ዲያስፖራ ንሓደ ስድራ” ዕላዊ ካብ ዝኾነ ጀሚሩ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ኣብዚ ንዘሎ ወገናቶም ንዝሃብዎ ልግሲ ሰብኣዊ ሓገዝ ብሽም ማሕበር ልምዓት ትግራይን ተጠቃማይ ማሕበረሰብን ዘመስገነ ክኸውን ከሎ ስራሕቲ እታ ማሕበር ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣረዲኡ።

ፍልፍል: ሚድያ ኣክሱማይት

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Share This