ኢትዮዽያ፡ ኣብ ትግራይ ናይ ዝተቐትሉ ሰራሕተኛታት ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓካይም ዝኾኑ ማሪያ: ቴድሮስ ከምኡውን ዮሃንስ ክሳብ ሕዚ ሓላፍነት ዝወሰደ የለን

ሽዱሽተ ወርሒ ድሕሪ ቕትለት ሰለስተ መሳርሕትና ማሪያ: ቴድሮስን ዮሃንስን ሙሉእ ምኽንያት መቕተሊኦምን ተሓታታይነትን ክሳብ ሕዚ ንፁር ኣይኰነን።

ብ24 ሰነ 2021 ኣቆፃፅራ ኣውሮዻ ኣብ ትግራይ ዝጉዓዙ ምስ ዝነበሩ ኣተሓባባሪት ህጹጽ ኵነታት ዝኾነት ጓል 35 ዓመት ዝዕድሚኣ ማሪያ ሄርናንደዝ፣ ወዲ 32 ዓመት ሓጋዚ ኣተሓባባሪ ህጹጽ ኵነታት ዝኾነ ዮሃንስ ሓለፎም ረዳን ወዲ 31 ዓመት ዝነበረ መራሕ መኪና ቴድሮስ ገብረማሪያምን ዝነበረና ርክብ ተቛሪፁ። ብ25 ሰነ 2021 ኣቆፃፅራ ኣውሮዻ ድማ እታ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ መኪና ጥርሓ እንትትርከብ ሒደት ሜትራት ርሒቑ ድማ ሬሳታቶም ተረኺቡ።

ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓካይም ንዅነታት ቅትለቶም ብዝምልከትን ክሳዕ ሕዚ እንፈልጦን እቲ ዘጋጠመ ኹነታት ብዝበለፀ ንምርዳእ እንታይ ከም ዝገበረን ፕረዚደንት ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓካይም – ስፐይን (ኤም.ኤስ.ኤፍ.) ዝኾነት ፓውላ ጊል ትገልፅ።

ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓካይም (ኤም.ኤስ.ኤፍ.) ብዛዕባ እቲ ማሪያ: ቴድሮስ ከምኡውን ዮሃንስ ዝተቐትሉሉ ዅነታት ክሳዕ ሕዚ ዝፈልጦ እንታይ እዩ?

ኣብዘን ዝሓለፋ 6 ኣዋርሕ ብቐፃሊ ምስቶም ኣብቲ ውግእ ተኻፈልቲ ዝኾኑ ኣካላት ብምትሕብባር እንታይ ከም ዘጋጠሞም ንኽንርዳእ ዝከኣለና ዅሉ ኽንገብር ፀኒሕና ኢና። ዝተቐትሉሉ ዅነታት ንኽፃረን ዉፅኢቱ ውን ክንገረናን ብተደጋጋሚ ጊዜ ምስ ዝተፈላለያ ሚኒስትራት ፈደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ (ፌዴሪኢ) ተራኺብና ኢና። ናብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ውን ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕሪብና ኢና ።

ብተወሳኺውን ወሳኒ ናይ ፀጥታ ሽግር ኣጋጣሚታት ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ብእንኽተሎ ውሽጣዊ መዐቀኒታትና መሰረት ብምግባር እታ ናይ ኤም.ኤስ.ኤፍ. መኪና ዝተጉዓዘትሉ መገዲ፣ እቲ ፍፃመ ዝበፅሓሉ ቦታን ግዜን ከምኡውን ገለ ኻብቲ እቲ ቕትለት እተፈጸመሉ መሳርሒታት ብዝርዝር ብምስሊ ንኽንሃንጽ ዘኽእለና ሓበሬታ ኣኪብናን መርሚርናን ኢና።

ኣብቲ ናይ ውሽጣዊ ግምጋመና ኣፈናዊ ውፅኢት መሰረት ብምግባር ክሳዕ ሕዚ እንፈልጦ ነገር እንተሃልዩ ብ24 ሰነ ኣቆፃፅራ ኣውሮዻ ማሪያ፣ ቴድሮስን ዮሃንስን ኣብቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ደገፍቱን፣ ህወሓትን ብዝነበረ ፅዕፁዕ ውግእ ጉድኣት ዝበፅሖ ከባቢታት ዝቖሰሉ ሰባት ንምድላይን ንምእካብን ካብ ዓቢይ ዓዲ ንደቡብ ገፅ ይጓዓዙ ከምዝነበሩ እዩ። ኣብ ዓቢይ ዓዲ ዝነበረት ጕጅለ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓካይም ሸውዓተ ሕጉም ኣብ እትባሃል ጥቓ እቲ ቅትለት ዝተፈፀመሉ እትርከብ ቁሸት ብዝሒ ዘለዎም ዝቖሰሉ ሰባት ከምዘለዉ ዝገልፅ ቅድመ ሓበሬታ በፂሕዎም።

ጕዕዞ ጀሚሮም ልዕሊ ሓደ ሰዓት ጥራይ ምስ ሓለፈ እታ መኪና ደው ከምዝበለትን ፀኒሑ ካዓ ካብታ መኪና ካብ 100 ክሳዕ 400 ሜትሮ ርሒቕ ኢሉ ሬሳታቶም ከምዝተረኽበን ካብቲ ቁስሎም ውን ነፍሲ ወከፎም ካብ ቀረባ ብዝተተኮሰ ጥይት ጉድኣት ከምዝበፅሖምን የመላኽት።

እዚ ሓበሬታ እዚ እቲ መጥቃዕቲ ብተባራሪ ጥይት ዝተፈፀመ ጕድኣት ከምዘይኮነ ዘረጋግፅ ኮይኑ: እኳ ደኣስ እቲ ጥቕዓት ኣብ ዝተፈፀመሉ ሳዓት ነፍሲ ወከፎም ሲቪላውያንን ገበርቲ ሰናይ ምዃኖምን ብግልፂ እንዳተለለዩ ኮነይ መነይ ኢልካ ዝተፈፀመ ቕትለት ሰለስተ ሰራሕተኛታት ገባር ሰናይ ድርጅት እዩ። ብተወሳኺ እታ መኪና ውን ኣፀቢቑ ዝፍለጥ መለለዪ ምልክት ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓካይም ዝኾነ ኣርማን ክልተ ባንዴራን እንዳሃለዋ እያ ብተደጋጋሚ ተተኲስዋን ብኸቢድ ተቓፂላን።

ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓካይም እቲ ዘጋጠመ ብዝበለፀ ንምርዳእን ከምዚ ዓይነት ፍፃመ ተመሊሱ ንኸይድገምን ተኻፈልቲ እቲ ውግእ ንዝኾኑ ኣካላት እንታይ ኢዩ ዝሓተቶም ዘሎ?

እቲ እንገብሮ ምይይጥ ክሳዕ ሕዚ ይቕፅል እኳ እንተሎ ኣብቲ ብኣቆፃፅራ ኣውሮዻ ኣብ ወርሓት ነሓሰ ሕዳርን ታሕሳስን 2021 ምስ ተወከልቲ ፈደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዝገበርናዮ ኣኼባታት መሰረት ብምግባር ግን ነቲ ጥቕዓት ብዝምልከት ምርመራ እናተኻየደ ምዃኑ ኣረጋጊፆምልና። ብተወሳኺ ዉን ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓካይም ህወሓት መርመራ ከካይድን ውፂኢቱ ዉን ከካፍሉናን ሓቲትናዮም ኣለና። ክሻዕ ሕዚ ውን ናይዚ ምርመራታት ውፅኢት ኣይተቐበልናን።

ኣብቲ ናይ ውሽጣዊ ግምጋመና መሰረት ብምግባር ዝረኸብናዮ ኣፈናዊ ውፅኢት ብሚንስተር ደረጃ ምስ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ፈደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዘካፈልናዮም እንትንኸውን: ብወገንና ውን እቲ ጥቕዓት ኣብ ዝተፈፀመሉ ሰዓትን ትኽክለኛ ቦታን ብዝምልከት ህላወን ተሳትፎን ሰራዊቶም ንኸብራህርሁልና ሓቲትናዮም ኢና። እዚ መብርሂታት እዚ ንስድራ ቤት እቶም ዝተቐትሉን ንሰራሕተኛታትናን ኣፍቶም ዝፈትውዎም ቤተሰቦም ዝተፈጥረ ነገር መልሲ ናይ ምሃብ ካብ ዘለና ግዴታ ምዃኑ ዝገለፅናሎም እንትንኸውን ንህወሓት ውን ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕሪብና ኢና።

ኣብ መንጎ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓካይምን ሰራዊት ኢትዮጵያን ደገፍቶምን ኣብ ፈደራላዊን ክልላውን ደረጃ ቀጥታዊ ናይ ርኽክብ መስመር ንኽህሉ ከምዝሓተትናን፡ እዚ ድማ ሕክምናዊ ሰብኣዊ ድጋፍ ናይ እንህበሎም ጣብያታትን ምንቅስቓሳትን ዝርዝር ሓበሬታ ንኸነካፍልን እቲ ሰራዊት ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓካይም ዝገብሮም ሂወት ናይ ምድሓን ስራሕታት መረዳእታ ክህልዎን ከኽብርን ንምርግጋፅ እዩ።

ምስ ሰበስልጣን ፈደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ክሻዕ ሕዚ ዝነበረና ሃናፂ ምይይጥ እናሞገስና ኣብ ልዕሊቲ ኣንፃር ትካላት ገበርቲ ሰናይ ዘተኮረን ኣብ ድሕንነትን ፀጥታን እተን ትካላት ቀጥተኛ ፅልዋ ከሕድሩ ዝኽእሉ ዝተዉሃቡ ወግዓዊ መግለፂታት ዘለና ስክፍታና እውን ኣመሓላሊፍና ኢና። ኣብ ኢትዮጵያ ጕጅለታትና ብተደጋጋሚ ግዘ ንምንኽልባት፡ ሓይለኛ ምፍርራሕን ማእሰርትን ተቓሊዖም እዮም። ነቲ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣጋጢምዎ ዘሎ ዓቢ ሕክምናዊ ድሌት ንምምላእ፡ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ዝሰርሕዎም ስራሕታት ናይቲ ማሕበረሰብ ተቐባልነት ኣብ ምህናጽ ዘለዎ ዕዙዝ ግደ ብጋህዲ ክድግፍን ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ህይወት ናይ ምድሓን ሕክምናዊ ስራሕታትና ንምቕፃልን ንኸፍቅደልናን ደጊምና ፃውዒትና ንመንግስቲ ፈደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ኣቕሪብና ኢና።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ንጥፈታት ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓካይም እንታይ ይመስል?

ብሰነ 2021 ኣቆፃፅራ ኣውሮዻ ዝተፈፀመ ቕትለት መሳርሕትና ስዒቡ፡ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓካይም ኣብ ክልል ትግራይ ከተማታት ዓብይ ዓዲ፡ ዓዲ ግራትን ኣኽሱምን ዝገብሮም ዝነበረ ዝተወሰኑ ንጥፈታት ደው ናይ ምባል መሪር ውሳነ ንኽውስን ተገዲዱ። ኣብ ወርሒ ሓምለ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓካይም ኣብ ክልላት ኣምሓራ: ጋምቤላ: ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ (ሽረን ሸራሮን) ከምኡውን ኣብ ክልል ሶማሌ ዝገብሮም ዝነበረ ንጥፈታት ንኽእገድ ወሲኑ። ወላ እኳ እቲ እገዳ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ እንተተላዕለ ብሰንኪ ስግኣት ድሕንነትን ምምሕዳራዊ ዕንቅፋታትን ሕክምናዊ ንጥፈታትና እንደገና ኽንጅምር ኣይካኣልናን።

ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ኢትዮጵያ እዋን ህፁፅ ኵነታት ምስ ተኣወጀ ፀጥታናን ድሕንነትናን ብዘውሕስ መንገዲ ክንሰርሕ ከምዘይንኽእል ዘእምን ኩነታት ስለዝተፈጥረ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓካይም ኣብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ዘካይዶም ዝነበረ ሕክምናዊ ንጥፈታት ደው ንኸብል ተገዲዱ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓካይም ኣብ ክልል ዓፋርን ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ንዝርከቡ ተገልገልቲ (ሕሙማት) ሕክምናዊ ኽንክን ምግባር ዝቐፀለ እንትኾን ንክልላት ኣምሓራ: ጋምቤላን ሶማሌን እውን ከከም ኣድላይነቱ ሕክምናዊ ኣቕርቦት ብምልጋስ ኣብ ምድጋፍ ይርከብ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ብዙሓት ክልላት እታ ሃገር ዝነብሩ ሰባት ከፍተኛ ዝኾነ ድጋፍ ሰብኣዊ ሓገዛት ዘድልዮም እኳ እንተዀነ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓካይም ነዚ ድሌታት እዚ ንምምላእ ክሻዕ ሕዚ ንጥፈታትና ከም ብሓድሽ ክንጅምርን ከነስፋሕፍሕን ኣይከኣልናን። ስለዝኾነ ድማ ናይቶም ዘካየድናዮም ምይይጣት ውፅኢት እንዳተፀበናን ኣብ ኩለን ክልላት እታ ሃገር ብሰንኪ ግጭት ወይ ድማ ካልእ ቅልውላው እተጠቕዑ ሰባት ብዘይ ኣድልዎ ሕክምናዊ ሓገዝ ንምሃብ ኣብ ሓባራዊ መሰረታዊ ስምምዕ ንምብፃሕ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ፈደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ኣብቲ ግጭት ተኻፈልቲ ምስ ዝኾኑ ኩሎም ኣካላትን ንምስታፍ ቅሩባት ኢና።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Share This