ኣብ ትግራይ ኣብ መዕቆቢ ተፈናቐልቲ ደደቢት መጥቃዕቲ ዝፈፀመት ድሮን ዋንነታ ናይ ቱርኪ ምዃና ተረጋጊፁ።

ፓክስ ዝተብሃለ ዘይመንግስታዊ ትካልን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ብሓባር፡ ናይቲ ዝተፈንጀረ ነታጒ ስእልታት ብምውሳድ ብዝገበርዎ ምርመራ እታ መጥቃዕቲ ዝፈፀመት ድሮን ባይራክታር 2 ዝተብሃለት ስርሒት ቱርኪ ድሮን ምዃና ኣረጋጊፆም።

ዋሺንግተን ዲሲ: 17 ጥሪ 2014 ዓ/ም (TMH)

እቲ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ከተማ ደደቢት ማእኸል መዕቆቢ ተፈናቐልቲ ኣብ ዝኾነ ቤት ት/ቲ ተፈፂሙ 58 ሰላማውያን ሰባት ግዳይ ሞት ዝገበረ መጥቃዕቲ ድሮን፣ ሰራሕተኛታት ገበርቲ ሰናይ ድሕሪ ምዕዛብ ናይቲ ዝተተኮሰ መሳርሒ ኲናት ንጣራት ብምእካብን ብምስኣልን ናብ መርማሪ ኣካል ዝሰደዱ ኮይኖም፣ እቲ መጥቃዕቲ ብድሮን ቱርኪ ከም ዝተፈፀመ ተሓቢሩ ‘ሎ።

ቱርኪ እትውንኖ ትካል መፍረዪ ድሮን ሓደ ኣካል ብሄራዊ ኩርዓታ ገይራ ከም እትቖፅሮን፡ ካብ ሰደድ ድሮናት ፅቡቕ መኽሰብ ከም እትረክብን እንተተሓበረ ‘ኳ፣ ብምኽንያት ዘብፅሕኡ ዕንወት ዓለም ለኻዊ ፀቕጥታት እናሓየላ ምምፅኡ ተሓቢሩ ኣሎ።

ከም ገለፃ ወታደራዊ ተንተንቲ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ትግራይ እትጥቀመሉ ኣፅዋር ውግእ ካብ ቱርኪ፣ ኢራን፣ ቻይናን ዱባይን ከም እትዕድግ ዝገለፁ ኮይኖም፣ እቲ ኣብ ከተማ ደደቢት ዝተፈፀመ ደብዳብ ድሮን ኣብ ዝፃረየሉ እዋን ግና፣ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመ ስርሒት ቱርኪ ብዝኾነት ድሮን ምዃኑ፣ ሰብ ሞያ ኔዘርላንድስን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ምርግጋፆም ተሓቢሩ ኣሎ።

ወርሒ ጥሪ ካብ ዝብሕት ናብዚ እቲ ፋሽሽታዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝወሰዶ መጥቃዕቲ ድሮን ልዕሊ 300 ሰላማውያን ሰባት ምሟቶም ካብ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ መረዳኣታ ምርካቡ ዝጠቐሰ እዚ ሓበሬታ፡ ኣብ ከተማ ደደቢት፣ ማይጨው፣ ኮረም፡ ኣላማጣ፣ ሳምረን ካልኦት ከተማታትን ዝተፈፀሙ መጥቃዕትታት ድሮን ከም ኣብነት ጠቒሱ ኣሎ።

እዚ ተግባሩ ብፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆባይደን ሓዊሱ ብዓበይቲ ሰበስልጣንን ዓለም ለኸ ትካላትን ዘውቀሶ ኮይኑ፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝነበሩ ጄፍሪ ፌልትማን ብወገኖም ናብ ዱባይን ቱርክን ኣብ ዝገበሩዎ ዑደት፡ እተን ድሮማት ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዓለም ለኸሕጊ ኣብ ዝፃባእ ተግባር ይሳተፋ ምህላወን ምኹናኖም ዝዝከር ኮይኑ፣ መፍትሒ ኲናት ትግራይ ኣብ እንደልየሉ እዋን ዝኾነ ይኹን ደጋዊ ሓይሊ ኢዱ ክስሕብ ኣለዎ ብምባል ዘጠንቀቑ እውን ኣብቲ እዋን ነይሩ።

ፋሽሽታዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ዝወስዶም መጥቃዕትታት ነፈርትን ድሮናትን ኣብ ወርሒ ጥሪ ጥራይ ብኣማኢቲ ዝቑፀሪ ሰላማውያን ሰባት ምሟቶም፡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ብምውካስ ሚድያታት ኣብ ዝፅብፅባሉ እዋን፣ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ይልማ መርዳሳ፣ ዝውሰዱ መጥቃዕትታት ዒላምኦም ዝሓለዉ እዮም ብምባል ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዝኾነ ሓደጋ ከም ዘየብፀሐ ዝኸሓደ ድማ ኣብዚ ሰሙን እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Share This