ኣሜሪካን ኬንያን ኲናት ኢትዮጵያ ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕ ኣብ ምሽብሻብ ከም ዝርከባ ተሓቢሩ።

ኣሜሪካን ኬንያን ኲናት ኢትዮጵያ ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕ ኣብ ምሽብሻብ ከም ዝርከባ ተሓቢሩ።

ንጄፍሪ ፌልትማን ተኪኡ ዝተሾመ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዴቪድ ሳተርፊልድ፡ እቲ ሰላማዊ ዘተ ቅልጡፍን ዕውትን አብ ምግባር ኣብ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ዘለዎ እምነት ገሊፁ ኣሎ።

ዋሺንግተን ዲሲ: 17 ጥሪ 2014 ዓ/ም (TMH)

ሓዱሽ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪኣክ ዴቪድ ሳተርፊልድ ኣብ ዝሓለፈ ሰምበት ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ኣብ ዝገበሮ ጉዕዞ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ፡ ኲናት ኢትዮጵያ ኣብ ዘብቀዐሉ መማረፂ ዝዘተዩ ኮይኖም፡ ኡሁሩ ኬንያታ ብወገኖም ኢትዮጵያ ናብ ሰላም ተመሊሳ ምትእስሳር ልምዓት እዚ ዞባ ዕላዊ ንምግባር ከም ዝሰርሑ ገሊፆም።

ፀገማት ፀጥታ እዚ ዞባ ኣብ ምርግጋዕ ግደ ኬንያ ኣብዚ ዞባ ዝለዓለ ምዃኑ ብምሕባር ኣብ ሱማሊያ፣ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያ ዝሰርሐቶም ዲፕሎማስያዊ ስራሕቲ ዓበይቲ ኣብነታት ምዃኖም ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ነዚ ኩሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኲናት ጠጠው ንምባል ንመራሒ ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ሓላፍነት ዝሃበ ኮይኑ፣ መንግስቲ ኬንያ ድማ እቲ ዝተውሃቦ ሓላፍነት ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ ንኬንያ እውን ልዑል ኣበርክቶ ስለ ዘለዎ ዝተውሃባ ዕማም ከም እትፍፅም ምላሽ ሂቡ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝወለዐቶ ውሽጣዊ ኲናት ብሚልዮናት ዝግመት ህዝቢ ኣደዳ ሞት፡ ሕማምን ስደትን ምዃኑ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ ተወከልቲ መንግስቲ ኬንያ፣ እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐፀለ ኲናት ዘስዕቦ ዘሎ ዕንወት ጠጠው ብምባል ሰላማዊት ኢትዮጵያ ንምፍጣር ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ምዝራቦም theeastafrican.co.ke ሓቢሩ ኣሎ።

ካብ ጉዳይ ኲናት ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ብዛዕባ ኩነታት ፀጥታ ሱዳንን ሱማልያን ዝዝቲ ካሊእ ኣጀንዳ ምንባሩ ዝተሓበረ እዚ መርበብ ሓቤታ፣ መንግስቲ ኬንያ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ኲናትን ዘይምቅዳውን ብዘተ ክፍታሕ እጃሙ ብምብርካት ኣብ ክንዲ ብኲናት ብልምዓት ክተኣሳሰራ ከም ዝብህግ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Share This