ፋሽሽታዊ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣወጆ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ስዒቡ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሕሱም ጥሜት ከም ዝወደቐ ተሓቢሩ።

ፋሽሽታዊ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣወጆ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ስዒቡ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሕሱም ጥሜት ከም ዝወደቐ ተሓቢሩ።
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ውሕስነት ምግቢ ኣብ ትግራይ ኣመልኪቱ ኣሳሊጠዮ ኣብ ዝበሎ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ 40% ህዝቢ ትግራይ ንኸቢድ ሕፅረት ምግቢ ምቅልዑ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

ዋሺንግተን ዲሲ: 20 ጥሪ 2014 ዓ/ም (TMH)

ኣብቲ 15 ኣዋርሕ ዘቑፀረ ኩናት ትግራይ ብሚልዮናት ግዳይ ምፍንቓል፡ ሕማማትን ጥሜትን ካብ ምዃን ብተወሳኺ፡ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ግዳይ ሞትን መቑሰልትን ምዃኖም ዝግለፅ ኮይኑ፣ ኣብቲ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዘሳለጦ ሓዱሽ ዳህሳስ 83% ህዝቢ ትግራይ ውሕስነት ምግቡ ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ሓቢሩ ኣሎ።

ብምኽንያት እቲ ዘጋጠመ ከቢድ ሕፅረት ምግቢ ሰባት ኣብ ሕሱም ጥሜት ምውዳቖም ዝሓበረ እቲ መፅናዕቲ፣ ብፍላይ ኣብ ውሱናት ጥረምረ መሰረት ዝገበረ ኣመጋግባ ዝወለዶ ንሕጽረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ምቅልዖም ሓቢሩ።

ንትግራይ ሓዊሱ ኣብ ኣምሓራን ዓፋርን እቲ ኲናት ዝፈጠሮ ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝቢ ናብ ቅልውላው ሰብኣዊ ሓገዝ ምቅልዑ ኣብቲ ዳህሳስ ዝተረጋገፀ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ብዘይፈልጥ መልክዑ ኣብ ሰለስትአን ክልላት ጥራይ 9 ሚልዮን ህዝቢ ህፁፅ ምግባዊ ሓገዝ ከም ዝጠልብ ኣጣሊሉ።

13% ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ትግራይ ንኸቢድ ሕፅረት ስነ-መዓዛ ምቅልዖምን፡ ፍርቂ ናይ ጥቕላላ ጥኑሳትን ሓራሳትን ብሰንኪ ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ኣብ ከቢድ ጥዕናዊ ሓደጋ ምህላወን እንትገልፅ፡ ብሰንኪ እዚ፣ ጥዕና ዘይብሎምን ዝተሓተ መጠን ክብደት ዘለዎምን ህፃናት ክውለዱን፡ ኣብ እዋን ሕርሲ ክሞቱን ምኽንያት ኮይኑ ከም ዘሎ ተገሊፁ።

እዚ ኩሉ ዓፀቦ ዘጋጥሞ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ህፁፅ ሰብ ኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮን፡ ግዘ ከይወሰድካ ሐዚ ክትግበር ይግብኦ ዝበሉ ድማ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪካ ዳይሪክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሚኪኤል ዳንፎርድ እዮም።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም/WFP/ እቲ ፀገማት ንምፍታሕ ሓገዛት ምግብን መድሓኒትን ንምቕራብ ኣብ ምንቅስቓስ ምህላዉ ዝሓበሩ እቶም ዳይሪክተር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብምኽንታት ዝፍጠሩ ውግኣት ናብ ኩሎም ከባቢታት ንምብፃሕ ዕንቅፋት ይኸውን ብምህላው፣ ተፋለምቲ ሓይልታት መንገድታት ሰብኣዊ ሓገዝ ክፍቲ ክገብሩ ተማሕፂኖም ኣለዉ።

ካብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ጀሚሩ ብሰንኪ ስግኣት ፀጥታ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሰብ ኣዊ ሓገዝ ከምዘየለ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ብሕፁጽ ንምፍታሕ 337 ሚልዮን ዶላር ከም ዝጠልብን፡ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንዘጋጥም ቅልውላው ሰብኣዊ ሓገዝ 12 ሚልዮን ህዝቢ ዝውዕል 667 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድሊ ሃቢሩ ኣሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Share This