ሕፅረት ኣፋውስን ናውቲ ሕክምናን ዝወለዶ ኣዴታት ትግራይ ኣብ ዝኸፍአ ፀግም ጥዕና ምውዳቐን ተሓቢሩ።

ሕፅረት ኣፋውስን ናውቲ ሕክምናን ዝወለዶ ኣዴታት ትግራይ ኣብ ዝኸፍአ ፀግም ጥዕና ምውዳቐን ተሓቢሩ።ሆስፒታል ስሑል ሽረ ብምኽንያት ስእነት ኣፋውስ ግልጋሎቱ ጠጠው ናብ ምባል ምስግጋሩ ተገልገልትን ሰብሞያ እቲ ትካልን ገሊፆም።ዋሺንግተን ዲሲ: 23 ጥሪ 2014 ዓ/ም (TMH)ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ሱሑል ሸረ ኣጋጢሙ ዘሎ ሉዑል ሕፅረት ኣፋዉስን ናዉቲ ሕክምናን ኣብቲ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዝወሃብ ዝነበረ ሓፈሻዊ ግልጋሎት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ ተገሊፁ። ነዚ ስዒቡ ተገልገልቲ ኣቲ ሆስፒታል ናብ ዝለዓለ ፀገም ተሳጢሖም ከምዘለዉ ተዛሪቦም።ንእስቲ ራሄል ኪሮስን ፍረወይኒ ታደለን ግልጋሎት ሕክምና ንምርካብ ናብቲ ትካል ኣንተመፃኳ፡ግልጋሎት ክረኽባ ከም ዘይከኣላ እየን ንድምፂ ወያነ ሓሳበን ዘካፈላ።ፍረወይኒ ታደለ ግልጋሎት ክታበት ስኢና ንካልኣይ እዋን ኣብቲ ሆስፒታል ከም ዝተረኸበት ኣንትትሕብር፡ ንእስቲ ራሄል ኪሮስ’ዉን ካብ ዳንሻ ዲቪዥን ተፈናቂላ ከምዝመፀት ዝገለፀት ናይ ሸዉዓተ ወርሒ ነብሰፁር እያ። ይኹን እምበር መድሓኒት ስለ ዘየለ ግልጋሎት ክረኽባ ከምዘይክኣላ ተዛሪበን ኣልዋ።ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ስሑል ሸረ መተሓባበሪ ፈርማሲ ኣይተ ዳኒኤል ዘነበ እቲ ሆስፒታል ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣፋዉስ ዝበሃል ወዲኡ ተገልገልቲ ናብ ዘየተኣናግደሉ ብርኪ ተሰጋጊሩ ከምዘሎ ሓቢሮም።”ህይወትና ኣብ ኢድና እያ ዘላ “ትብል ራሄል ናይ ማህፀን ካንሰር ኣለኪ ተባሂላ ናብ ሪፈራል ሆስፒታል መቐለ ከም ዝተልኣኸት ዝሓበረት ኮይና ኣብ መቐለ መፅያ ‘ዉን ግና መድሓኒት ክትረክብ ከም ዘይክኣለት ሓቢራ ኣላ።ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈላለዩ ኦኣይነታት ኣፈውስን ናውቲ ሕክምናን ናብ ትግራይ ምል ኣኹ ዕላዊ ምግባሩ ዝዝከር ኮይኑ፣ ብምኽንያት እቲ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ሕፅረት ኣፋውስን ግልጋሎትን ክባፃሕ ዘይምኽ ኣሉን ተወሳኺ ሓገዝ መድሓኒት ናብ ትግራይ ዝኣትወሉ ፃዕርታት ከም ዘድሊ ተሳተፍቲ ሓቢሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Share This