ብምኽንያት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝበፅሕ ዘሎ ዘርኢ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕትታት፡ ኢትዮጵያ ንተጋሩ ገሃነም ከም ዝኾነት ኣብ ናይ ፅዕነት ነፋሪት ተሓቢኦም ቤልጅየም ዝኣተዉ ክልተ ተጋሩ ንሲኤን ኤን ተዛሪቦም።

ብምኽንያት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝበፅሕ ዘሎ ዘርኢ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕትታት፡ ኢትዮጵያ ንተጋሩ ገሃነም ከም ዝኾነት ኣብ ናይ ፅዕነት ነፋሪት ተሓቢኦም ቤልጅየም ዝኣተዉ ክልተ ተጋሩ ንሲኤን ኤን ተዛሪቦም።

እቶም ኣብ ትካል መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ክፍሊ ፅገና ነፈርቲ ዝሰርሑ ዝነበሩ ክልተ ተጋሩ፡ ስርዓት ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዒላማ ዝገበረ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ካብ ዝጅምር ንነዘ፡ ብምኽንያት ትግራዋይነቶም ኣብ ዝሓመቐ ኩነታት ስራሕ ምንባሮም ገሊፆም ኣለዉ።

ዋሺንግተን ዲሲ: 23 ጥሪ 2014 ዓ/ም (TMH)

ፋሽሽታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብምንፅፃር ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝነበሩ ተጋሩ ብሽም ኣዋጅ ህፁጽ ግዘ እንትኣስር፣ ናብ መላእ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብሽም ሕጊ ምኽባር ወፊሩ ግዳይ ሞትን ዕንወትን ከም ዝገበሮ ዓለም ዝፈለጦ ሓቂ ኮይኑ፡ እዞም ክልተ ሰራሕትረኛታት መንገዲ ኣየር እውን፡ ኣባላት ስድራቤቶም ግዳይ ሞትን ማእሰርትን ኣብ ልዕሊ ምዃኖም ንባዕልቶም እውን ኣሸበርቲ እንዳተብሃሉ ይሽቑረሩን ዝተፈላለየ ግፍዕታት ይበፅሖምን ከም ዝነበረ ገሊፆም እዮም።

እቶም ኢትዮጵያ ንትግራዋይ ሲኦል ምዃና ዝሓበሩ ተጋሩ፣ እቲ ዝወሰድዎ ኣብ ውሽጢ ናይ ፅዕነት ነፋሪት ተሓቢእኻ ናይ ምምላጥ ስጉምቲ፣ ኣዝዩ ሓደገኛን ንብዙሕ ቅፅዓት ዝዳርግን እኳ እንተነበረ፣ ኣብታ ሃገር ከጋጥሞም ካብ ዝኽእል ሕሰም ከም ዘይገድድ ብምእማን ከተግብርዎ ከም ዝተገደዱን፣ ኣብ ውሽጢ ፅዕነት ተቐርቂሮም ኣብ ቤልጅየም ከም ዝኣተዉን ሓቢሮ ኣለዉ።

ምእንታን ድሕንነቶም ክበሃልክ ኣሽማቶም ዝተቐየረ ዮሃንስን ገብረመስቀልን፡ AIR BUS A350 ዝዓይነታ ነፋሪት ፅዕነት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ቤልጅየም፣ ናብ ዕዳጋ ኣውሮፓ ዝቐርብ ዕምበባታት ሒዛ ኣብ እትብገሰሉ እዋን ኣብቲ ክፍሊ ፅዕነት ተሓቢኦም ጉዕዞ ከም ዝጀመሩን፣ ኣብቲ ቦታ እንትወርዱ ንድሕንነት ውሽጢ ዓዲ ኢዶም ብምሃብ ናይ ስደተኛ ሰርቲፊኬት ከም ዝተውሃቦምን ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣቐባኪት ቃል ኣብዪ ኣሕመድ ቢሌኔ ስዩም፣ ብምኽንያት ብሄሩን መንነቱን ዝእሰር ይኹን በደል ዝበፅሖ ዜጋ ከም ዘየለ ንሲኤን ኤን ክሒዳ ዝመስከረት ኮይና፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝበፅሕ ጅምላዊ ማእሰርትን ምንግልታዕን ግና ካብ ዓይኒ ሚድያታት ዓለም ዝተኸወለ ኣይኮነን።
እዞም ደቂ 25 ዓመት ዝኾኑ መሓዙት ቴክኒሻናት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዮሃንስን ገብረመስቀልን፡ ኣዝዩ ዝሑል ኣብ ዝኾነ ስፍራ ተሓቢኦም ዝተጉዓዙ እንትኾኑ ቅድም ኢሎም እውን ን36 ሰዓታት በረራ ብምግባር ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ብምእታውን ንኣባላት ድሕንነት ኢዶም ብምሃብን ዕቁባ ዝሓተቱ ክልተ ተጋሩ ከም ዘለዉ ሲኤን ኤን ምርግጋፁ ሓቢሩ።

እቶም ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝተበገሱ ክልተ ተጋሩ ኣብ ዋሺንግተን ክሻብ ዝኣትዉ ኣብ ሽዱሽተ መዕርፎታት ኣየር ዝዓረፉ ኮይኖም 36 ሰዓታት ተሓቢኦም ኣብቲ ዝደለይዎ ዋሺንግተን ዲሲ ምስኣተዉ ኢዶም ከም ዝሃቡ፡ ንኣባላት ድሕንነት መንገዲ ኣየር ዋሺንግተን ብምውካስ ዘረጋገፀ ሲኤን ኤን መንነት እቶም ዘምለጡ ሰራሕተኛታትት ተጋሩ ምዃኖም ድማ ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከጣልል ምኽኣሉ ሓቢሩ ኣሎ።

ፋሺሽታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብሰንኪ ዝኣወጆ ዘርኢ ናይ ምፅናት ኲናት ልዕሊ 700,000 ናብ ሱዳን እንትስደዱ ብሚልዮናት ዝግመት ውሽጣዊ ምፍንቓልን ብዓሰርተታት ኣሸሓት ሞትን ዕንወትን ብምብፃሕ እንዳቐፀለ ዝርከብ እዩ።

Source: https://us.cnn.com/2022/01/31/africa/ethiopia-airlines-tigray-stowaways-cmd-intl/index.html

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Share This