ጉጅለ ኣብዪ ኣሕመድ ሎሚ ዕለት 20/12/2014 ዓ/ም/ግ ከባቢ ሰዓት 6:40 ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ፈፂሙ።

ጉጅለ ኣብዪ ኣሕመድ ሎሚ ዕለት 20/12/2014 ዓ/ም/ግ ከባቢ ሰዓት 6:40 ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ፈፂሙ።እዚ ግፍዒ ዝተፈፀመሉ ቦታ ድማ ኣብ ክ/ከተማ ሰሜን ዝርከብ ወይ ድማ ብልሙድ sos ብዝብል ኣፀዋዉዓ ዝፍለጥ ኣብ ጥቓ ሃፀይ ዮዉሃንስ ዝርከብ ናይ ህፃዉንቲ ቤት ትምህርቲ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።እዚ ጨካን ተግባር መጉዳእቲ ሞትን መቑሰልትን ኣብ ብርክት ዝበሉ ህፃዉንትን ኣብቲ ከባቢ ይዘዋወሩ ኣብ ዝነበሩ ሰላማዉያን ዜጋታትን ኣውሪዱ ኣሎ።ክሳብ እዚ ሓበሬታ ዝተፀብፀበሉ ሰዓት ዛጊድ ናይ 5 ሰባት ሬሳ ተረኺቡ ከምዘሎ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ክሳብ ሐዚ 14 ሰባት ዓይደር ከምዝኣተዉ እቶም 2 ድማ ህፃናት ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ። ይኹን እምበር እቲ ደብዳብ ከቢድን ገዛውቲ ዘፈራረሰን ብምዃኑ ቁፅሪ እቶም ግዳያት ክዉስኽ ከምዝኽእል እዩ እቲ መረዳእታ ዘመላኽት።መንግስቲ ትግራይ ሕጊ ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ንምሕጸንታ ደገፍቲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ንዘይምጥሓስ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ምእንቲ ሰላም ክብል ዜጋታቱ መስካሕክሒ ዕፅዋን ክባን ፀኒሑ እዩ።ይኹን እምበር ንዓለም ብምድንጋር ናይ ዉሽጠ ምድላዋቱ እናወገነ ዝፀንሐ ኣብዪ ኣሕመድ ብዕለት 17 ነሓሰ 2014 ዓ/ም/ግ ዝኾነ ዓይነት ወታደራዊ ምንቅስቓስን ዜናታትን ምሕባር ብሕጊ ከምዘሕትት ድሕሪ ምግላፁ ብፅባሒቱ ማለት እዉን ብዕለት 18/12/2014 ዓ/ም/ግ ብኣንፈት ደቡብ ትግራይ ኩናት ምጅማሩ ይፍለጥ።ናይዚ መቐፀልታ ድማ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ሰለማዎትን መዉዐሊ ህፃዉንትን ከቢድ ኣረሜናዊ ጥፍኣት ፈፂሙ ኣሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Share This