ኲናት ትግራይ ጠጠው ክብል እንተዘይ ክኢሉ ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ትግራይ እቲ ካብ ዓለም ዝሓሰመ ጥሜት ከጋጥማ ከም ዝኽእል ተሓቢሩ።

ኲናት ትግራይ ጠጠው ክብል እንተዘይ ክኢሉ ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ትግራይ እቲ ካብ ዓለም ዝሓሰመ ጥሜት ከጋጥማ ከም ዝኽእል ተሓቢሩ።

ዋሺንግተን ዲሲ: 20 ጥሪ 2014 ዓ/ም (TMH)

እቲ ከቢድ ሕፅረት ምግቢ ብደረጃ ዓለም 20 ሃገራት ከጠቓልል ከም ዝኽእል ዝተሓበረ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ምስቲ ዘሎ ኲናትን ዕፅዋን ተኣሳሲሩ ብደጃ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ጥሜት ከስዕብ ከም ዝኽእል ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለምን ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ኣጠንቂቖም።

እቶም ትካላት ንዝቕፅሉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ/ ካብ ለካቲት ክሻብ ጉንበት/ ኣብ ዘቐመጥዎ ትምበያ ኢትዮጵያ፡ ናይጄርያ፡ ደቡብ ሱዳንን የመንን እተን ብዝከፍ ደረጃ ንጥሜት ክቃለዓኣ ዝካላ ተባሂለን ዝተቐመጣ ኮይነን፡ ካብ ሕሱም ጥሜት ክሻብ ሞት ከስዕቡ ዝኽእሉ ደረጃታት ጥሜት ከጋጥመን ከም ዝኽእልን፣ ልዑል ትኹረት ክግበረለን ከም ዝግባእ ድማ ተሓቢሩ ኣሎ።

እዚ ብፍላይ ደረጃታት 4ን 5ን ዝበሃሉ ብርክታት ጥሜት ዘስዕብ ሓደጋ ከም ዝፍጠር ዝገለፀ እዚ ትምበያ፣ እዚ ደረጃ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ወርሒ ሓምለ ክሻብ መስከረም ኣብ ልዕሊ 401,000 ህዝቢ ኣጋጡሙ ከም ዝነበረ ብምሕባር፣ ሐዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ጠጠው እንተዘይ ኢሉን፣ መንገድታት ሰብኣዊ ሓገዝ እንይተዘይተኸፊቶምን፣ እቲ ደረጃ ጥሜት ናብ ህልቂት ከምርሕ ከም ዝኽእል እቶም ትካላት ወሲኾም ኣብሪሆም።

እቲ ኣብ 20 ሃገራት ልዑል ትኹረት ከም ዝጠልብ ዝተሓበረሉ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት፡ ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከጋጥም ከም ዝኻል ዝተተምበየ ኮይኑ፡ ኣብ ትግራይ እቲ ዝኸፍአ ኽኸውን ከም ዝኽእል ዘጠንቀቑ እቶም ትካላት፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ናይጄርያ፡ ደቡብ ሱዳን ፡ የመንን ብልዑል ትኹረት ክስራሐሉ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

ህዝቢ ትግራይ ንምምብርካኽ ዝዓለመ ኩለመዳያዊ ኲናት ሐዚ እውን ኣጠናኺሮም ንምቕጻል ዝትልሙ ዘለዉ ፀላእቲ፡ ህዝቢ ትግራይ ብቕልፅሙ ሃለዋቱ ከውሕስ ሓድነቱ ኣስጢሙ ኣብ ፅኑዕ ቃልሲ ዝርከብ ኮይኑ፣ እቲ ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ከጋጥም እዩ ተባሂሉ ተተምብዩ ዘሎ ህልቂት ከስዕብ ዝኽእል ጥሜት ንምምካት እውን፡ ብሕብረትናን ብዲፕሎማስያዊ ቃልስናን ብምርብራብ ህዝብና ክነድሕን ይግባእ ዝበሉ ድማ ውሃብቲ ርኢቶ እዮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Share This